1 ሃሌሉያ። ንኣምላኽ ኣብ መቕደሱ አመስግንዎ፣ ኣብ ጠፈር ስልጣኑ ኣመስግንዎ፣ 2 ስለቲ ግብርታት ሓይሉ ኣመስግንዎ። ከም ብዝሒ ዕቤቱ ኣመስግንዎ። 3 ብድምጺ መለኸት ኣመስግንዎ፣ ብበገናን መሰንቆን ኣመስግንዎ፣ 4 ብኸበሮን ብሳዕስዒትን ኣመስግንዎ፣ ብቓና ኣውታርን እምብልታን ኣመስግንዎ። 5 ጭልጭል ብዚብል ጸናጽል ኣመስግንዎ፣ ብጥዑም ዝደሃዩ ጸናጽል አመስግንዎ። 6 ትንፋስ ዘለዎ ዅሉ ንእግዚኣብሄር የመስግኖ። ሃሌሉያ።