ድንግለ ማርያም


ስደት ማርያም - ወርሓ ጽጌ
1.   ረሃበ ወጽምኣ ኣዘክሪ ድንግል ረሃበ ወጽምኣ(2)
ምንዳቤ ወኃዘነ ኣዘክሪ  ድንግል (2)
            ሆሴ 1:1-2 ማቴ 1:13-15 መስከረም-ሕዳር
2.   ኣክሊለ ጽጌ ማርያም ቀጸላ መንግስቱ ለጊዮርጊስ (2)
ክበበ ጌራ ወርቅ (2) ኣክሊለ ጽጌ (2)

3.   ኣንዘ ትቅፍዮ ለሕጻንኪ ንዒ ማርያም (2)
ንዒ (3) ማርያም (2)
ወድኺ ሓቚፍክዮ ኣደ ጎይታና ንዒ ማርያም (2)
ንዒ (3) ማርያም (2)

እምነ እምነ ንዒ (2)
በሰላም (2) ንዒ ማርያም (2)
ኣምላክነ ነዓ ነዓ (2)
በሰላም  (2) ነዓ መድኃኔ ዓለም (2)

4.   ማርያም ሃዘነ ልቦና ታቀልል (2)
ሃዘነ ልቦና (4) ታቀልል
ማርያም ሓዘን ናይ ልብና ተቕልል’ያ (2)
ሓዘን ናይ ልብና (4) ተቕልል’ያ (2)

5.   ንጽህተ ንጹሃን ከዊና ከመ ያቦተ ዶር ዘሲና
ውስተ ቤተ መቅደስ ነበረት በድንግልና ነበረት (2)
ሲሳያ ህብስተ መና ወስቴሃኒ ስቴ ጽሞና (2)
ዘጸ 25:10-22 መዝ 44:45

6.   ኣብርሂ(2) ጽዮን ኣብርሂ (2)
ዘሓረየኪ ሰሎሞን ንጉሥ (2)

7.   ዮሴፍ ዓረጋዊ(2) ይጸውር ስንቀኪ (2)
ምስለ ሰሎሜ (4) ዮሴፍ ዓረጋዊ(2)
ማቴ 2:13-15 ሓምሌ 3ይ ሰሙን
8.   ሰኣሊ ለነ (3)
ወልድኪ ከመ ይምሃረነ(2)

9.   ንግስተ ሰማያትወ ምድር ማርያም ድንግል (2)
ተፈጸመ (5) ማሕሌተ ጽጌ (2)
ራእ 12:5-6 ሕዳር1ይ ሰሙን

10. እንተ በምድር ሰራዊሃ ወበሰማይ ኣእጹቂሃ (2)
ሃረገ ወይን (2) ድንግል ሃረገ ወይን(2)


11. ጽጌ ሮማን (4)
መዓዛ ቅዱሳን (2) ድንግል ሃረገ ወይን (2)

12. እስከ መዕዜኑ እግዝእትየ ወስተ ምድረ ነኪር ይሄልዊ (2)
ገሊላ እትዊ (4) ሃገረኪ ገሊላ እትዊ (2)

ኪዳነ ምሕረት

13. ኪዳነኪ ኮነ(3) ኪዳነ ምሕረት(2)
   ለኃጥአን ቤዛነ ለኃጥአን ተስፋነ ኪዳንኪ ኮነ(2)
14. ናይ ድንግል መመክሒት ናይ ነብያት ገዳም(2)
ኣውደኣመትና ባርኽልና ድንግል ማርያም(2)

15.   እህተ መላእክት ትንቢተ ነብያት እሞሙ ለጻድቃን(2)
ሰኣሊ ለነ(3)  ማርያም ድንግል ሰኣሊ ለነ ምህረተ ወልድኪ(2)

16.   ቅንኡ ለእንተ ተዓቢ ጸጋ(2)
መድሐኒት ለነፍስ መድሐኒት ለነፍስ(2)
መድሐኒት ኪዳነ ምሕረት(2)

17.  ተዝካርኪ ለእመገብረ በተኣምኖ ጽኑእ(2)
በመንግሥተ ሰማይ(3) ምስሌኪ ይነግሥ ኃጥእ(2)

18.   ክፍልኒ ድንግል (2)
በየማን እቁም በየማን(2)

19. ሶበሰ ኪዳንኪ ምክንያተ ድኂን ኢሃሎ(2)
ፈለገ እሳት ወደይን(3) እምኣስጠመ ኩሎ(2)
ኢሰ 49:14-26 መዝ 131: 2 የካቲት  3ይ ሰሙን

20.  እምድንግል ኣስተርኣየ ቃለ(2) እግዚአብሔር(2)
ኤልሳቤጥ ኮነት ኣባየ እስመ ወለደት ነቢየ(2)

21. ኤልሳቤጥ ወለደት ነቢይ (2)
ወለደት ነቢይ (2) ኤልሳቤጥ ወለደት ነቢይ(2)

22. መስራቀ ምስራቃት ሙጻእ ፀሐይ እግዝእትነ
ዘመና ሙዳይ (2)
ዘመና ሙዳይ ማርያም ዘመና ሙዳይ (2)
ዮሃ 6:52-58

23.  ሃሌ ሉያ ክንፈ ርግብ በብሩር ዘግቡር (2)
ወገበዋቲሃኒ ሓመልማለ ወርቅ (2)

24. ቡሩክት ኣንቲ እም ኣንስት (2)
ዕጓለ ኣንበሳ በከርስኪ ጾርኪ(2)

25. ኃይለ ልዑል ጸለለኪ እምኣንስት (2)
ማርያም (2) ቤዛ ኩሉ ዓለም (2)

26. ማርያም (3) ማርያም ቤዛ ብዙሃን(2)

27. ማርያም ትዓቢ እምኩሉ ፍጥረት (2)
ኢያውእያ እሳተ መለኮት
ሉቃ 1:28-30 ዘጽ 19:16-20 መጋቢት 4ይ ሰሙን

28. ኣንቲ ዘበኣማን ደመና (2)
ረከብኪ ጸጋ ግብረ ድንግል
የኣቢ ክብራ ለማርያም(2)
ዘወትር
ልደታ ማርያም

29. ኣማን በኣማን (2)
ተወልደት እመ ብርሃን (2)

30. ርግብ ጻዕዳ ዘእንቈ ዳዳ
ወዘጳዝዮን ማህፋዳ(2)
ተወልደት ዮም በምድረ ይሁዳ
ግንቦት 1ይ ሰሙን

31.  ኢያቄም ወለዳ ኢያቄም (2)
ዳዊት ዘመዳ ኢያቄም ወለዳ(2)
ማቴ.1:1 ግንቦት 1ይ ሰሙን

32.  ኣዕይንታ ዘርግብ (2) ኢያቄም ወለዳ(2)
ኢያቄም ወለዳ (2) ዘርግብ ኢያቄም ወለዳ(2)

33. በእንተ ሓና እምኪ ወኢያቄም ኣቡኪ(2)
ማህበረነ ዮም(2) ድንግል ባርኪ(2)
ማህበረነ ዮም(2) ማህበረነ ዮም ባርኪ

34. ኣላ በሩካቤ ዘበህግ(2)
እምሃና ወኢያቄም(2) ተወለድኪ(2)

35. ዮም ፍስሓ ኮነ በእንተ ልደታ ለማርያም(2)
እምሓና ወኢያቄም ይእቲ ከመ ትቤዙ ነብያት ወጻድቃን ኣማን ተወልደት እመብርሃን(2)

36. ማርያም(2) ድንግል ማርያም(2)
ርህርህተ ህሊና(4) ማርያም(2)

37. ለማርያም ዘምሩ(2)
መስቀሎ ለወልዳ(2) እንዘ ትጸውሩ(2)

38. ተፈጸመ ሓና በወለትኪ(2)
ተስፋ ቅዱሳን ኣበውኪ(2)
(ተፈጸመ ሃና በታ ጓልኪ(2)
ተስፋ ቅዱሳን ኣቦታትኪ(2) )

ፍልሰታ
39. ጸቃውዕ ይውህዝ(2)
ይውህዝ እምከናፍሪሃ(2)
ሉቃስ 1:39-56 ፍልሰታ

40. ዕርገታ ውስተ ሰማያት
ወበኣታ ውስተ ገነት
ገነዝዋ(2) በስብሓት(2)
መዝ 33 (34) ሉቃ 12:4-7

41. ማርያም ዓረገት(2)  ናብ ሰማያት(2)
እናዓጀብዋ ናይ ሰማይ መላእክት
ዓረገት ናብ ሰማያት(2)

42. ሞትስ ለማዋቲ ይደሉ(2)
ሞታ ለማርያም የኣጽብ ለኩሉ(2)
ነሓሰ 1ይ ሰሙን ፍልሰታ

43. መንክር ግርማ ኃይለ ሉዑል ጸለላ(2)
ኣማን(2) መላእክት ይኬልልዋ(2)

44. ማህደረ መለኮት(2)
ማርያም እመ ኣዙኃን(2) /ጽርህ ንጽህት

45. ትርሲተ ወልድ መለኮት ወፍቅር ሓደረ ላዕሌሃ ሓደረ(2)
ይቤላ ርግብየ ወይቤላ ሰናይትየ ማርያም ድንግል(2)

46. ኩሎሙ ይብልዋ በኣሕብሮ(2)
ዕጸ ጳጦስ ይእቲ እንተ በኣማን(2)

47. ስብሓት ለኪ ማርያም ለኣብ መርዓቱ ለወልድ ወላዲቱ(2)
ለመንፈስ ቅዱስ(3)ታቦቱማርያም ድንግል ወርቅ ወብሩር ሃላፊ ውእቱ እምኩሉ ኪያኪ እፈቱ(2)

48. ሃበ ዘጸውኣ ስምየ ህየ ይኩን በረከትየ(2)
እንዘ ይብል ጸለየ እምደብረ ቢዘን(2)
ጸለየ  ቅዱስ ፊሊጶስ (2)

ነዋሕቲ መዛሙር

49. ውዳሴ ማርያም ክደግም ንድንግለ ኣደይ ክጽውዕየ ከም ኣባ ኤፍሬም ባርኽኒ ወድሰኒ/ስኒ ወደይ/ጓለይ በልኒ(2)
     ውዳሴ ማርያም    ኣብ ቅድሚኣ ኮይንና
<<<<        ንሕና ክንውድሳ
<<<<        ድንግል ክትመጽእ’ያ
<<<<        ካብ ቤተ መቕደሳ
<<<<        ናይ ብርሃን መንጸፍ
<<<<        ኣብ እግራ ተገይሩ
<<<<        ኣባ ቅዱስ ኤፍሬም
<<<<        የመስግና ኣሎ
ኣዝማች.......
ውዳሴ ማርያም      ኣባ ህርያቆስ
      <<<<        ምስጋና ከብጽሕ
      <<<<        ናይ ቅዳሴ ዜማ
      <<<<        ንልቢ ይምስጥ
      <<<<        ልበይ ሰናይ ነገር
      <<<<        ኣውጺኡ እናበለ
      <<<<        ዳዊት ብበገና
      <<<<        ንዓኺ ዘመረ
ኣዝማች.....,
ውዳሴ ማርያም      ናይ ንጽህና
      <<<<        መሰረት ኢኪ’ሞ
      <<<<        ንዓኺ ውዳሴ
      <<<<        ልበይ በሪሁ’ሎ

ዉዳሴ ማርያም      ተፈስሒ ድንግል
      <<<<        ኦ ቤተልሄም
      <<<<        ወሊድኪዮ ኢኺ
      <<<<        ንመድሃኔ ዓለም
ኣዝማች....
      ውዳሴ ማርያም      ቅዱሳን ኩላቶም
            <<<<        ከቢቦም ንድግል
            <<<<        ኣባ ጊዮርጊስ
            <<<<        ንዒ ድንግል ይብል
            <<<<        ኣብ ናይ ወርቂ ዙፋን
            <<<<        ኮፍ ኢልኪ ርኢዩኪ
            <<<<        ልበይ ተሰዊሩ
            <<<<        ድንግል ብግርማኺ
ኣዝማች......
50. በሰላም ንዒ(2) ማርያም(2)
ትናዝዝኒ(2)ኃዘነ ልብየ
ኣዝ
ምስለ ሚካኤል(2) ወገብርኤል
ኣዝ
   ምስለ ሱራፌል(2) ወኪሩቤል
   ኣዝ
ምስለ ዑራኤል(2) ወሩፋኤል
ኣዝ
   ምስለ ኵሎሙ(2) ቅዱሳን
   ኣዝ
ምስለ ወልድኪ(2) ኣማኑኤል
ኣዝ
የው 2:1-9 ሉቃ 1:39-46




51.    ሰላም ለኪ
ሰላም ለኪ (2) ንኖህ ሓመሩ
   ”        ናይ ኣሮን በትሩ
   ”     ንቅዱስ ዳዊት መሰንቆ መዝሙሩ
   ”     ንጌዴዎን ጸምሩ
   ”     ንሰሎሞን መንበረ ክብሩ
   ”     ንፍሬስብሃት መዝሙሩ(2)
እመ እግዚኣብሔር ጸባኦት ሰላም እለኪ

ሰላም እለኪ ሰረገላኡ ንኣሚናዳብ
   ”     መና ዘሎኪ ንጹህ መሶብ
   ”     ያዕቆብ ዝረኣየኪ ኣብ ሎዛ
   ”     ናይ ይስሓቅ መኣዛ(2)
እንዘ ንሴፍዎ ለበረከትኪ ዘምስለ ኣምኃ ንሰግድ ለኪ

ሰላም እለኪ ኅብስተ መና ዘእስራኤል
      ”     ናይ ሰማእታት ንጹህ ኣኽሊል
      ”     እፀ ጳጦስ ዘሲና
      ”     ናይ ኤልያስ መና
እንዘ ንሴፍዎ ለበረከትኪ ዘምስለ እምኃ ንሰግድ ለኪ

52.    ዘበኣማን
ኣንቲ ዘበኣማን (2)
ረከብኪ ጸጋ ግብረ ድንግል የዐቢ ክብራ ለማርያም

በሊስከ ድንግል                  ዘበኣማን
ካባና ኣይትርሓቒ          ”
ናይ ክርስቶስ ልቢ         ”
ትሕትና ኣልብሲ          ”
ረከብኪ ጸጋ ግብረ ድንግል የዐቢ ክብራ ለማርያም

ናይ ያሬድ ጸናጽል         ዘበኣማን
ናይ ያዕቆብ ውዳሴ         ”
ናይ ኣባ ህርያቆስ          ”
ናይ ዘወትር ቅዳሴ         ”
ረከብኪ ጸጋ ግብረ ድንግል የዐቢ ክብራ ለማርያም

ርህርህቲ ሕልና            ዘበኣማን
ናይ ሃዋርያት መጎስ        ”
ሓብቲ መላእክቲ           ”
ኣፍቅሮተ ሥሉስ          ”
ረከብኪ ጸጋ ግብረ ድንግል የዐቢ ክብራ ለማርያም

ብኹሉ ፍጥረታት          ዘበኣማን
ዝምስገን ንሱ’ዩ                  ”
ገዛኢ ፍጥረታት           ”
ወድኺ እኳ’ዩ             ”
ረከብኪ ጸጋ ግብረ ድንግል የዐቢ ክብራ ለማርያም

ጽብቕቲ ርግቢት          ዘበኣማን
ሰሎሞን ኢሉኪ                  ”
ንጽህናኺ ርእዩ            ”
ወልድ መሪጹኪ                  ”
ረከብኪ ጸጋ ግብረ ድንግል የዐቢ ክብራ ለማርያም

ዘክርና ድንግል                  ዘበኣማን
ንዓና ደቅኺ              ”
ኣተዓርቕና               ”
ሓደ ከየትርፈኪ            ”
ረከብኪ ጸጋ ግብረ ድንግል የዐቢ ክብራ ለማርያም

ብብዝሒ ሓጥያትና         ዘበኣማን
ሸለል ኣይትበልና          ”
ምሕረት ኣውርድልና       ”
ካብ ልዑል ጎይታና        ”
ረከብኪ ጸጋ ግብረ ድንግል የዐቢ ክብራ ለማርያም

መሓሪትና ኢኺ           ዘበኣማን
ህይወት ዘውሃብክና         ”
እስከ ኣተዓርቕና          ”
ከይንተርፍ ወዲቕና        ”
ረከብኪ ጸጋ ግብረ ድንግል የዐቢ ክብራ ለማርያም

ኣንቲ ዘበኣማን (2)

ረከብኪ ጸጋ ግብረ ድንግል የዐቢ ክብራ ለማርያም

53.  ኪዳነ ምህረት

ድንግል ማርያም ንኤርትራ ለምንልና ምሕረት

ክትረክብ ቅሳነት ኣድሕንያ ካብ ዓለም መዓት(2)

   ቃል ኪዳን ዘሎኪ    ድንግል ማርያም

   ናይ ዘልዓለም            

   መሓሪት ኢኺ           

   ንፍጥረታት ዓለም         

 

ኣዝማች  

ቅድስተ ቅዱሳን        ድንግል ማርያም

ትንቢቶም ንነብያት          

ናይ ሃዋርያት መጎስ          

ኣደ ናይ ሰማእታት          

 
ኣዝማች

ኤፍሬም ብውዳሴ       ድንግል ማርያም

ንዘመስግነኪ                

ደመና ናይ ኤልያስ          

ድንግል ንስኺ ኢኺ         

 
ኣዝማች

መድሓኒት ምስ መጸ    ድንግል ማርያም

ሰይጣን’ውን ሓፈረ                 

ናይ’ቲ ዜና ኣብሳር                 

ገብርኤል ነበረ              

 

ኣዝማች

ናይ ብሓቂ መልኣኽ    ድንግል ማርያም

ምዃኑ ርኢኺ               

ይኹነለይ ኢልኪ            

ቃሉ ተቐቢልኪ              

 

ኣዝማች

ብጽንዓት ክሓልፍ       ድንግል ማርያም

ነቲ ለይቲ ግርማ            

ምእንታን ክንኣቱ            

ኣብ ጻድቃን ከተማ          

 

ኣዝማች

ክንለብስ ፍቕሪ         ድንግል ማርያም

ከም ሓዋርያት              

ከማኺ ትሕትና             

ጽንዓት ከም ሰማእታት       

ድንግል ማርያም ንኤርትራ ለምንልና ምሕረት

ክትረክብ ቅሳነት ኣድሕንያ ካብ ዓለም መዓት(2)

 

54.   ክብረ ቅዱሳን

ክብረ ቅዱሳን ይእቲ (2) ክብረ ቅዱሳን (2)

ሙዳየ መና (2) ግሩም ሙዳየ መና (2)

 

ንቅዱሳን ክብረቶም ኢኺ

ክብሪ ምስጋና ከነቕርበልኪ

ናይ ሕይወት መና ዝወለድክልና

ዝናብ ዘሎኪ ናይ ኤልያስ ደመና

ሙዳየ መና (2) ግሩም ሙዳየ መና (2)

 

ፍቕሪ ወህበታ ትሕትና ልብሳ

ጥንሲ የዝልል ሰላምታ ድምጻ

መለኮት ወሊድኪ መለኮት ሓቖፍኪ

ጸሓይ ከይዓርብ ከይዘመርናልኪ

ሙዳየ መና (2) ግሩም ሙዳየ መና (2)

 

ናይ ጸሓይ ደገ ብርሃን ዝኾንኪ

እቲ ዓቢብርሃን ርእዩ ልብኺ

ኣይጽልምትን እዩ እዚ ህይወትና

ወድኺ’ኳዩ ብርሃን ጸሓይና

ሙዳየ መና (2) ግሩም ሙዳየ መና (2)

 

ሰኣሊ ለነ ሰላም እለኪ

ተማሕጸነ በኪዳንኪ

ንዒ ርግብየ ምስለ ወልድኪ

ሰማይ ወምድር ይዌድሱኪ

ሙዳየ መና (2) ግሩም ሙዳየ መና (2)

 

ክብረ ቅዱሳን ይእቲ (2) ክብረ ቅዱሳን (2)

ሙዳየ መና (2) ግሩም ሙዳየ መና (2)

 

 

55.   ሓረገ ወይን

(ወረብ) እሴብሕ ጸጋኪ ኦ እግዚእትየ ማርያም

ዕፅ ልምልምት ወፍሬ ጥዕምት ወለተ ሃና ወኢያቄም ሓረገ ወይን (3) ኣንቲ ማርያም

 

 ሓርገ ወይን (3) ኣንቲ ማርያም

ኣጸደ ወይን (3) ኣንቲ ማርያም

 

ትመስሊ ፊደል ወትወልዲ ወንጌል

ወታገምሪ ነበልባል

ትመስሊ ሰማየ ወትወልዲ ፀሐይ ወታገምሪ ኣዶናይ

 

 ኣዝ

ትመስሊ መሶበ ወትወልዲ ኮከበ ወታጸግቢ ርኁብ

ትመስሊ መቅደስ ወትወልዲ ንጉሥ ወታገምሪ መንፈስ ቅዱስ

 

ኣዝ

ትመስሊ ጽላት ወትወልዲ ታቦት ወታገምሪ መለኮት

ትመስሊ ገራህተ ወትወልዲ ሰዊት ወታጸድቂ ነፍሳት

 

ኣዝ

ትመስሊ ደመና ወትወልዲ ኅብስተ መና ወታገምሪ ጥዒና

ትመስሊ ስሂን ወትወልዲ መድኅን ወትፌውሲ ድውያን

 

ኣዝ

ትመስሊ ምስራቅ ወትወልዲ መብረቅ ወታለብሲ እሩቅ

ለአብ መርኣቱ ወለወልድ ወላዲቱ ወለመንፈስ ቅዱስ ጽርሓ ቤቱ

 

ኣዝ

ስብሓት ለኪ እምዘበላእነ ሥጋ ወልድኪ ወእምዘሰቴነ ደመ መሲሕኪ

ኣግብርትኪ ወኣእማትኪ ለዓለመ ዓለም ኣሜን (2)

 

56.    ኣዘክሪ ድንግል

ኣዘክሪ ድንግል ኣዘክሪ ንጎይታ ሓብሪ ኣዘክሪ

ንሓጥኣን ኣይኮነን ንጻድቃን(2)

 

ከም ዝተወልደ   ኣዘክሪ

ኣብ ቤተልሄም  

ከም ዘደቀስክዮ  

ኣብ መብልዕ ማል     

ንሓጥኣን ኣይኮነን ንጻድቃን

 

ኣዝ

በቲ ግዜ ቁሪ     ኣዘክሪ

ከም ዝገበርሉ   

ናይ በጊዕን ላምን

እስትንፋሶም ኩሉ

ንሓጥኣን ኣይኮነን ንጻድቃን

 

ኣዝ

ኣብ በረኻ ግብጺ ኣዘክሪ

ከም ዝተሰደድኪ 

ናይ’ቲ መሬት ሃሩር ”

እቲ ኩሉ ጸገምኪ

ንሓጥኣን ኣይኮነን ንጻድቃን

 

ኣዝ

ኣብ መቃብር ጎይታ     ኣዘክሪ

ንብዓት ከም ዘፍሰስኪ   

ገነት ንኽንኣቱ        

ነዓና ደቅኺ          

ንሓጥኣን ኣይኮነን ንጻድቃን

 

57.   መን’ዶ ኣሎ’ዩ ዝኾነኖ ጎይታ

መንዶ ኣሎ’ዩ ዝኾነኖ ጎይታ ዝተማሕጸነ ብቃል ኪዳና

ንድንግል ማርያም ምልእተ ጸጋ ክንጽውዖ ኢና ንዘልዓለም ስማ

ንድንግል ማርያም ርህርህተ ሕልና ክንልምና ኢና ኣማልድና ኢልና

 

መሳልል ኢያ ያዕቆብ ዝረኣያ ደቂሱ ከሎ ብሕልሙ ኣብ ሎዛ

ኣፍ ደገ ሰማይ መሳገሪትና ናብ ሰማያዊ መንግስቲ አምላኽና

 

መሳገሪት ኢያ ካብ ብሉይ ናብ ሓድሽ ናይ ኖህ ርግቢት ሰላም ኣበሳሪት

ድምቕቲ ወርሒ ቀንጣጢት ጸልማት ንዝነበረ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት

 

ገብርኤል መጺኡ ካብ መላእኽቲ ዝመስከረላ ኢሉ ብጽእቲ

ኤልሳቤጥውን ካብ ወገን ኣንስቲ ከም ዘመስገንዋ ንሕና’ውን ሕጂ ከነመስግና ኢና ኣናበልና ብጽእቲ

 

ኣበይ ኣለዉ ኢልና እንተሓቲትና ኩሎም ቅዱሳን ዘማልዱ ብኣ

ዝጸሓፉ ታሪኻ ድርሳና ገነት እዮም ዘለዉ ኣብ ሑቕፊ  ኣምላኽና ካብ በረኸቶም የካፍለና

 

ነቶም እንምሕጸን ብቓል ኪዳና ተራዳእነታ ኣይፈለየና

ነቶም ዘይኣምኑ ኣማላድነታ ኣምላኽ ንክመልሶም ንጸሊ ሓቢርና  መታን ከይወርሶም ሰይጣን ጸላኢና   

 

መን’ዶ ኣሎ እዩ...

                      

58.  ነዚ ኹሉ ጸጋ

ነዚ ኹሉ ጸጋ  ዝተዓደልኪ ኣደ

ንዓለም ዘድሓንኪ ንጽህት እመቤት

ክብርኺ ብዙሕ እዩ ኪዳነ ምሕረት

 

ካብ ፍጡራን ንላዕሊ     ቅድስና

ቃል ሰብ ዘይገልጾ            ልዕልና

ግዜ’ውን ዘይስዕሮ       ድንግልና

 

ኣዝ

ንማንም ዘይትዋህበ      ቅድስና

ካብ ኩሎም መላእኽቲ   ልዕልና

ናይ ነብያት ትንቢት    ጥዑም ዜና

 

ኣዝ

ኣብ ልዕሊ መላእኽት    ቅድስና

ኣብ ትሕቲ ፈጣሪ       ልዕልና

ካብ ኩለን ኣንስቲ       ድንግልና

 

ኣዝ

 

59.   ለምንልና

ለምንልና (3) ናይ ኣምላኽ ኣደ (2)

ድንግል ማርያም (2) እህ

ድንግል ማርያም እመ ብዙኃን(2)

 

ናይ ሓደራ (2) ናይ ቃልኪዳን ናይ ኩላትና ኣደ(2)

መፍቀሪት ሰብ ኢኺ ማእከን ለውሃት እህ

ጠበቓ ጥቑዓት ልሳን ናይ ድኻታት (2)

 

ኣዝ

ክብሪ’ሎና ጸጋ’ሎና ተስፋ’ሎና ብልማኖኺ (2)

ካብ መዓት ናይ ሰዶም ናይ ጎመራ እህ

መድኃኒት ዝሓደገልና ይመስገን ጎይታና (2)

ኣዝ

 

60.  ገዳም ደብረ ሲና

ተምሳል ገነት ኢኺ ገዳም ደብረ ሲና

ናይ ሃይማኖት ደብሪ ቦታ ቕድስና

ኣርያማዊት ኢኺ ዝዘንበልኪ መና

ደብረ ሲሓት ምንጪ ክርስትና (2)

 

ደው ዝበለት     ተምሳል ገነት ኢኺ

ኣብ ህዋ መቅደሳ ገዳም ደብረሲና

ኣምላኽ ዝሃነጾ   ተምሳል ገነት ኢኺ

ማዕጾኣ መስኮታ  ገዳም ደብረሲና

ኣብ ግዜ ስደቶም ድንግል ምስ ወዳ

መጽኹም ርኣዩ ዘጽለሉላ ስፍራ (2)

 

ኣዝ

ብድሕሪኡ’ውን   ተምሳል ገነት ኢኺ

ዘይተፈልያ ጸጋ  ገዳም ደብረሲና

ምስ ቅዱሳኑ     ተምሳል ገነት ኢኺ

ዝተገልጻ ጎይታ   ገዳም ደብረሲና

ሰማዕት እስጢፋኖስ ዝቐደሰላ

ተስዓቱ ቅዱሳን ድንግል ዝረኸቡላ (2)

 

ኣዝ

ኣብርሃ ወኣጽብሃ ተምሳል ገነት ኢኺ

ዝተጠመቑላ     ገዳም ደብረሲና

ብምስጢር ካብ ኣምላክ ተምሳል ገነት ኢኺ

ዝተወለድናላ     ገዳም ደብረሲና

ኩለን ከባቢና ዝምከሓላ

ደብረ ሲና እያ ናይ ኣምልኾ ስፍራ (2)

 

ኣዝ

ብቓል ኣይንገርን ተምሳል ገነት ኢኺ

ዝኹሉ ምስጢራት ገዳም ደብረሲና

ኣይውዳእን እዩ   ተምሳል ገነት ኢኺ

ዘርዚርካ ታሪኻ   ገዳም ደብረሲና

ርኢኹም እመኑ ደይቡ ደብረሲና

በረኸት ክትረኽቡ ሰሚዕኩም ዜናኣ (2)

 

ኣዝ

ኣነስ ክኸይድ እየ ተምሳል ገነት ኢኺ

ናብዛ ቅድስት እምባ    ገዳም ደብረ ሲና

ክዝምር ንድንግል ተምሳል ገነት ኢኺ

ክረክብ በረኸታ   ገዳም ደብረሲና

በዓልቲ ወለንሳ ሓዳጊት ኣበሳ

ድንግል ማርያም እያ ናይ ኩልና ተስፋ (2)

 

 

61.  ነመስግን ኩልና ንማርያም ኣዴና

ነመስግን ኩልና ንማርያም ኣዴና

ቅድስተ ቅዱሳን ኣደ ፈጣሪና

ንጽህተ ንጹሃን ኣደ ፈጣሪና

ርህርህተ ህልና ማርያም ኣዴና

ዋሕስ ናይ ህይወትና ኣምላኽ ዝሃበና

 

ቅዱስ ገብርኤል መጺኡ ሰላም ለኪ ኢሉኪ

ናይ ክርስቶስ ኣደ ድንግል ደስ ይበልኪ

ካብ ኩለን ኣንስቲ ዝተባረኽኪ ኢኺ

ሰማያዊ ምስጢር ዝተገለጸልኪ

 

ነዓኺ መሪጹ ከይተፈጥረ ዓለም

ብሓቂ ይመስገን ይኽበር ንዘልዓለም

ነዓኺ መሪጹ ርህሩህ መድኃኔ ዓለም

ብሓቂ ይመስገን ይኽበር ንዘል ዓለም

 

ብጌጋ ብፍልጠትሓይሊ(ኣደ) ዝሰኣንኩም

ንዑ ተመለሱ ማርያም ኣላትኩም

ብጌጋ ብፍልጠት ድንግል ዝከሓድኩም

ንዑ ለምንዋ ደቀይ ክትብለኩም

 

ዋሕስ ናይ ህይወትና ኣምላኽ ዝሃበና

ድንግል ማርያም እያ ኣደ ናይ ነፍስና

ኣደን ድንግልናን ክልቲኡ ሒዝኪ

ድንግል ናትና ተስፋ ብልጽቲ ኣኮ ኢኺ

 

 

63.    ንማርያም ክንዝምር ኢና ንዘለዓለም

ንማርያም  (2) ክንዝምር ኢና ንዘለዓለም(2)

 

ዝተዓጽወት ማህደር     ንዘለዓለም

ህዝቅኤል ዝበላ          

ብሓቂ ብጽእቲ’ያ        

ብሓቂ ድንግል          

ኣብነት ጌርና           

ንሕና’ውን ከምኡ        

ብፍጹም ፍቕሪ ክንዝምር ኢና (2)

 

ኣዝ

ሓላል ርግቢት’ያ        ንዘለዓለም

ሰላም ኣበሳሪት          

ንናይ ጸልማት ሕይወት   

ብርሃን ተብርህ          

ንልምን ነዓኺ           

ድንግል ንህይወትና       

ሓደራ ድንግል ንስኺ ዋሕስና (2)

ኣዝ

ኣዝዩ ብዙሕ’ዩ         ንዘለዓለም

ናይ ደቅኺ ፍቕሪ       

ኣይውሰንን እዩ          

ኣይምዘንን እዩ          

ብኣኺ ደስ ይብለና      

ሓጎስ ይመልኣና         

ስማ እናጸዋዕና ክንዝምር ኢና (2)

 

ኣዝ

ንዒ ንዒ እብል         ንዘለዓለም

ኣብ ምሉእ ህይወተይ     

ኣይትፍለየንን           

ነዓይ ኣብ ጎነይ እያ      

እጹብ እጹብ ኢሎም     

ምስ ኣመስገኑኺ         

ንኽብራ ክገልጹ ይሓጽሮም ቃላት (2)

 

 


  
       



5 comments:

  1. ዝማረ መላእክት የስመዓልና ፍቁራት የሕዋት

    ReplyDelete
  2. ዜማ ግና ተተእትዉልና ጹቡቅ ኔሩ ፍቑራት የሕዋት ገለገለ ኣብ youtube ዘይርከቡ ኣሎዉ።

    ReplyDelete
  3. Senay serah yu, keep it up!
    gezie ab zerekebkimulu dema ziema milewo nehagez :)

    ReplyDelete
  4. ወላዲተ ኣምላክ ምሳኩም ትኹን እዞም የሕዋተይ።

    ReplyDelete