Wednesday, May 21, 2014

ተሐድሶ (እኩይን መደናገርን ዕላማ መናፍቓን)

ተሐድሶ (እኩይን መደናገርን ዕላማ መናፍቓን)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፣
ተሐድሶ
ትርጕምን ዓይነትን ተሐድሶ 
ተሐድሶ ማለት ምሕዳስ፣ ምልዋጥ፣ ሓድሽ ምግባር፣ ምብርታዕ፣ምጽናዕ፣ ምሥራሕ፣ ምጽጋን ማለት እዩ። ኣብ ዓለም ብምኽያት ምንዋኅጊዜን ብዝኂ ኣገልግሎትን ግቡእ ኣገልግሎቱ ኪህብ ንዘይከኣለ ወይንዝተበላሸወ ኣሐዲስካ ናብ ንቡር ኣገልግሎቱን ሥራሑን ምምላስ ኣሎ።ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ድማ ምስ ሃይማኖት፣ ሥርዓትን ታሪኽን ቤተክርስቲያን ዘይዛመድ መንፈሳዊ ተሐድሶ ኪግበር ይከኣል እዩ። ብቀንዱድማ ተሓድሶ ዝብል ቃል፣ ነቲ ብሓጢኣት ዝበለየን ዝተበላሸውንሕይወት፣ ብንስሓ ምሕዳስ፣ ምልዋጥ ዝምልከት እዩ። “ብምሕዳስልብኹም ደኣ ተለወጡ እምበር፣ ነዚ ዓለም እዚ ኣይትምሰልዎ” (ሮሜ፲፪፥፪/122)) ከምዝብል ማለት እዩ። ብተወሳኺውን ኣብ ምኅደራ፣መገድታት ምስፋሕ ስብከተ ወንጌልን ንእኡ ዝመስልን ሃይማኖትንሥርዓትን ቤተ ክርስቲያን ብዝተኸተለን ብዝሳነን መገዲ ነቲ ህልዊ ዘመንብምዕዳግ ምምሕያሽ፣ ምሕዳስ ዝከኣል ነገራት ክህሉን ኣገዳሲንኮይኑውን ዝርከበሉ እዋን ኣሎ።

ኮይኑ ግና እዚ ክበሃል ከሎ፣ ተሓድሶ ዝብል ቃል ብመሠረቱ ከም ኣገባቡዝተፈላለየ ትርጉም ይሃልዎን፣ ንዝዓበየን ንዝጸፈፈን ኣገባብን መደባትንኣብ ኣሠራርሓን ሜላን ምሕደራን ቤተ ክርስቲያን፣ ብቀንዱ ድማንመንፈሳዊ ሕይወት ዝምልከት ይኹን እምበር ካብ ሓራጥቃውያንምቕዳሕ ዝፍትዉ መከልአን ዘይትርጉሙ ብምሃብ ነታ ዘይተበልይንወትሩ ሕያው ንዝኾነትን ቅድስት ዝኾነት መንፈሳዊት ቤተ እግዚአብሔርኣብ ትምህርተ ሃይማኖታ፣ ሥርዓታ፣ ወቦ ዘተርፈ ከምዝምልከት ገይሮምከቕርብዎ ይፍትኑ እዮም። እዚ ግና ዓቢይ ጌጋ እዩ። ብዓንዲ ነገሩ ነዚቃል ኣብ ምንታይ ንጥቐመሉ ኣብ ምንታይ ከኣ ንጥንቀቐሉ ብዝግባእምርዳእ የድሊ። ሓደ ሰብ ነታ ወትሩ ተሓድሶ ዝግብኣ ሕይወቱ ገዲፉ፣ነታ ብደም ክርስቶስ ንዝተመሥረተት እሞ መሠረተ ሕይወት ንዝኾነትቅድስት ቤተ ክርስቲያን ‘ተሓድሶ’ ክገብረላ የድልያ ኣሎ ኢሉ ክብገስከሎ፣ ረቂቕን ዓሚቕን ንዝኾነ ምሥጢርን ትርጉምን ቤተ ክርስቲያን ከምዘይፈልጥ ባዕሉ ኣብ ርእሱ ይምስክር ከም ዘሎ ክፈልጥ ይግባእ። ስለዚብዛዕባ ተሓድሶ ዝብል ቃል ኣፍልጦና ብመጠኑ ከነስፍሕ ነዚ ዚስዕብነጥብታት ከነቕልበሉ ሰናይ እዩ።

እዚ ድማ፦

በዚ ልዕል ኢልና ኣብ መእተዊ ጽሑፍና ክንርእዮ ከሎና ተሐድሶ ክልተዓይነት እዩ።

ኣድላዪ ተሐድሶ
ዘየድልን ሓደገኛን ተሐድሶ
ኣድላዪ ተሐድሶ

ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ኣድላዪ እዩ ዝበሃል ተሐድሶ በዞም ዚስዕቡከፋፊልና ክንርእዮ ንኽእል ኢና።

. ምምሕያሽ መንፈሳዊ ሕይወት

ወዲ ሰብ ንዝተጋገዮ ብምእራም፣ ንዘይተማህሮ ተማሂሩ፣ ንዘይፈለጦፈሊጡ፣ ኣብ መንፈሳዊ ሕይወቱ ዝያዳ ተጋዲሉ ዓወት ንምጕንጻፍ፣ብንስሓ እናተሓደሰ ዝተቐደሰ ሕይወት ኪመርሕ ይኽእል። እዚ ድማምሕዳስ መንፈሳዊ ሕይወት ይበሃል።

. ምምኅዳራዊ ለውጢ

ኣመኃደርቲ ቤተ ክርስቲያን ናይ ኣመራርሓ ብቕዓቶም ከመኃይሹ፣ዘመናዊ ምኅደራ ከተኣታትዉ ምስ ዝኽእሉ፣ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንሐዋርያዊ ተልእኾኣ ብዝግባእ መገዲ ክትፍጽም ትኽእል፣ ንሳቶምውንጽባሕ ንግሆ ካብ ተሓታትነት ክድኅኑ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ በብጊዜኡምስ ዘመን ዝኸይድ ምስ ሕግን ሥርዓትን ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዝቃዶምምኅዳራዊ ተሓድሶ ምግባር ኣገዳሲ እዩ። “ሃይማኖት ከም ኣቦታትናኣሠራርሓ ከም ዘመንና” ዝብሃል ነዚ እዩ። እዚ ኪበሃል ከሎውን ነቲጥንታዊን ሓዋርያዊን ኣሠራርሓ መሠረት ዝገበረ እምበር፣ ሓድሽኣሠራርሓ ብምፍልሳፍ ዝትግበር ክኸውን የብሉን። ካብዚ ብዘመናዊምዕባለ ዝተዓበለለ ኣካይዳ እንመሃሮን ክንከስቦ ዝግባእና ብዙኅ ነገርከምዘሎ ዘይከሓድ እኳ እንተኾነ፣ ነቲ ከም መሠረትን ቀያዲን ካብ ዝኾነዝቐደመ መንፈሳዊ ኣካይዳ ብምርሓቕ ዝመጽእ ምምሕደራዊ ለውጢ፣ፍጻሜኡ ናብ ሥጋዊ ነገር ከይጥቕለል ጥንቃቐ ዘድልዮ እዩ። ስለዚኣበየናይ ዓውዲ ናይቲ ኣገባብ ምሕደራ ምሕዳስ ወይውን ለውጢ የድልዮኢልካ ምፍታሽ፣ በየናይ መገዲ ክትግበር ይግባእ ኢልካ ምሕሳብኣዳላዪ እዩ።

ዘየድልን ሓደገኛን ተሐድሶ
. ትምህርተ ሃይማኖት ዝጠዋዊ

እዚ “መሐደሲ” ጕጅለ እዚ ንትምህርተ ሃይማኖት ቤተ ክርስቲያንእናጠዋወየ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ጌጋከምዘሎ እናኣምሰለ ብምቕራብ፣ ንቅድስት ቤተ ክርስቲያን መድረኽምንፍቕና ኪገብራ ወትሩ ዚጽዕር እዩ። ኣብ ነገረ እግዚአብሔር፣ ነገረማርያም፣ ነገረ ቅዱሳን፣ ነገረ መስቀል፣ በዓላት፣ ሥነ ፍጥረትን ካልእንጥርጥር ብምዝራእ ድማ ንሕንጻ ሃይማኖት ደቂ ሰባት ከዳኽም ላዕልንታሕትን ይብል። ብዘይካ ዝያዳ ኣትኵሮኡ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍትብምግባር ድማ ንቅዱሳት መጻሕፍት ናይ ገዛእ ርእሱ ትርጕምን መግለጽንእናሃበ፣ ቅዱሳት መጻሕፍት ንሓድሕዶም ከም “ዝጋጨዉን” ብዙኅጌጋታት” ከምዘለዎምን ኣምሲሉ ብምቕራብ፣ ካብ ልቢ ምእመናንሓቀኛ ግንዛበ ቅዱሳት መጻሕፍት ከጥፍእ ይፍትን። ምእመናን ኣብ ልዕሊቅዱሳት መጻሕፍቲ ቤተ ክርስቲያን ድማ ጥርጣረ ከምዘሕድሩብምግባር፣ ንዘለዎም “አሜን” ዝብል ጽኑዕ እምነት ከሕጽጽ ይፍትን።

. ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ዝነቅፍ

መስፋሕፋሕቲ ናብ ምንፍቕና ዝቐንዐ ተሐድሶ ቅድሚ ናይ ክሕደትትምህርታቶም ምዝራኦም፣ ምእመናን ኣቐዲሞም ዝኃዝዎን ዝምርሕሉንሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ንኺገድፉ ካብ ዝጥቀሙሉ ሜላታት ሓደሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ምንቃፍ እዩ። ኣብ ትምህርታቶም ኮነጽሑፋቶም ሥርዓት ምሕላው ኦሪታውን ኣሳርን ምዃኑ፣ ሥርዓትምሕላውን ዘይምሕላውን ጉዳይ ጽድቅን ኩነኔን ከምዘይኮነ፣ ሥርዓትቤተ ክርስቲያን ከምዝደለኻዮ ከተመሓይሾ ከምእትኽእልን ካልእንእናበሉ መውፅኢ ኣፎም ገይሮምዎ ኣለዉ።

. ቀኖና ዝጥሕስ

ኣንቀሳቐስቲ ‘ተሐድሶ’ ነቲ ናይ መወዳእታ ሰይጣናዊ ዕላማኦምንምውቃዕ ካብ ዝጥቀሙሎም መገድታት ሓደ ቀኖና ቤተ ክርስቲያንብምጥሓስ ምእመናን ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ኣረኣእያኦምከምዝቕይሩ ምግባር እዩ። ባዕሎም እናጠሓሱ ድማ “እንታይ ኣለዎ” “እንታይ  ሳዕቤን ክህልዎ” እናበሉ ካልኦት ንኸቃልልዎ መገዲይኸፍቱ።

. ቅዱስ ትውፊት ዘይምቕባል

ትምህርተ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሠለስተ ነገራት (ዶግማ፣ ቀኖናንትውፊትንዝተመሥረተ እዩ። ትውፊት ቃል ብቓል ወይ ብምስማዕንብምርኣይን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝመኃላለፍ ትምህርትን ሥርዓትንቤተ ክርስቲያን እዩ። እዚ ድማ ቅድሚ መጽሓፍ ቅዱስ ምጽሓፉውንዝነበረን ንመጽሓፍ ቅዱስ ድማ መሠረት ዝኾነን እዩ። ተሐድሶኣውያንግና “ትውፊት ብመጽሓፍ ቅዱስ ክረጋገጽ ኣለዎ፣ ትውፊት ከምመመሳኸሪ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ” እናበሉ ሓደገኛ ሳዕቤን ዘለዎጐስጓስ የካይዱ ኣለዉ።

ነዚ ኵሉ ክፍኣት ክፍጽሙ ድማ ከምቲ ጐይታና፣ “ካብ ነቢያት ሓሶትተጠንቀቑ፣ ብውሽጦም ዚምንጥሉ ተዃሉ ክንሶምሲ፣ ክዳን ኣባጊዕተኸዲኖም እዮም ዝመጽኡኹም። ብፍሬኦም ከተለልይዎም ኢኹም።” (ማቴ. 715-16) ዝበለና፣ ናብ ኣብያተ ክርስቲያንን ቅዱሳት ገዳማትንከይተረፈ ተመሳሲሎም ብምእታው፣ ንምእመናን እናኣደናገሩ ክርዳድምንፍቕና ብምዝራእን ብዝተፈላለየ ሥጋዊ ነገራትን ገንዘባዊምትህርራፋትን ፖለቲካዊ ሥነ ሓሳባትን ኣዀብሊሎም ናብ ኣዳራሻትመናፍቓን ንምውኃዝን ኣብ ውሽጢ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን መናፍቓን ንምፍራይን ለይትን መዓልትን ይጽዕሩ ኣለዉ።ፍሬኦም ግና ምፍልላይ፣ መናፍቕነትን ጥፍኣትን ምዃኑ ብግስ ከይበሉንርእዮም ኣሎና።

ዕላማን ሓደገኛነትን “ተሐድሶ

ሕፅር ብዝበለ ኣገላልጻ ዕላማ “ተሐድሶ” ንቅድስት ቤተ ክርስቲያንእንተስ መቓቒልካ እንተስ ጠቕሊልካ ፕሮተስታንታዊት ምግባር እዩ። ነዚንምትግባር ድማ “ተሐድሶ” ምዃኑ እኳ ዘይፈልጥ ወለዶ ንምፍራይንብዘይፍላጥ ዝድግፍ “ቲፎዞ” ንምፍራይን ዘይግልብጥዎ እምኒ የልቦን።ተሐድሶ” ቅድሚ ናጽነት ሃገርና ኣብ ዝተፈላለዩ ዝቖጻጸርዎምመድረኻት ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበትን ማኅበራትን፣ “ኦርቶዶክሳዊትተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ቅንዕቲ ኣይኮነትን” ይብሉ እኳ እንተነበሩ፣ በዚመገዲ እዚ ግና ጕዕዞኦም ክቃንዓሎም ስለዘይከኣለ፣ ሎሚ ሎሚ፣ “እታጥንታዊት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ቅንዕቲ እያ ነይራ፣ድኂራ ግና ስለዝተበላሸወት ምሕዳስ የድልያ ኣሎ” እናበሉ ሜላኦምቀይሮም ስትራተጂካዊ ዝብልዎ ናይ ጥፍኣት ውግእ ብዝረቀቐምውድዳብ የካይዱ ኣለዉ።

በዚ ኣካይዳኦም እዚ ድማ ንብዙኃን ውሉደ ቤተ ክርስቲያን የደናግሩኣለዉ። ዝያዳ ድማ ተመሳሲሎም እናኣተዉ፣ ኃይሊ ገንዘብ ተጠቒሞምሰባት እናኣስድዑ፣ ኣብ ሰበ-ሥልጣንን ሃብታማትን እናተጸግዑ፣ ኣብውሽጢ ምኅደራ ቤተ ክርስቲያን ኣትዮም ሥርዓተ ምኅደራ ቤተክርስቲያን ብምጽያቕን ኣብ መንጎ መራሕትን ተመራሕትን ደቂ ቤተክርስቲያን ምፍልላይ ብምፍጣርን ባይታ “ምንባሮም” የጣጥሑ ኣለዉ።

ተሐድሶ” ንሃይማኖትን ሃገርን ሓደገኛ እዩ። እዚ ከኣ ጽልዋኡ ኣብሃይማኖት ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ ባህልን ክብርታትን ኅብረተ-ሰብ(ስለዘይግደስን ዘይዕቅብን ጥራይ ዘይኮነ ባህሊ ምዕራባውያን ከተኣታቱብዙኅ ስለዝጽዕርውን) ኣብ ታሪኽ (ታሪኽ ስለዘፋልስን ዝብርዝን)ቍጠባን ሞራልን (ተጸባዪን ተመጽዋትን ስለዝገብርዓቢይ ሃጓፍ ዝፈጥርሥዉርን ኣዕናውን ምንቅስቓስ እዩ። ስለዚ ሓደገኛነቱ ተረዲእናክንነቅሕ፣ ሜላታቱን ኣካይዳኡን ኣጽኒዕና ድማ ክንቃለስ ይግብኣና።

ታሪኽን ኣመጻጽኣን “ተሐድሶ
. ፕሮተስታንታዊ ተሐድሶ ኣብ ኤውሮጳ

ምንቅስቓስ ተሐድሶ ኣብ መበል ዓሠርተው ኃሙሽተ ክፍለ ዘመን ኣብምድሪ ኤውሮጳ እዩ ተጀሚሩ። ነዚ ሓሳብ እዚ ብሓሳብ ጠኒሱ፣ ብነቢብ(ብዘረባወሊዱ፣ ብተግባር ዘዕበዮ ኣቐዲሙ ናይ ካቶሊክ “መነኮስዝነበረ እሞ ‘ቆቢዑ’ ዝደርበየ ጀርመናዊ ማርቲን ሉተር እዩ። ሉተር ንናይዘርእን ፖለቲካን ጸገሙ ብምሕዋስ፣ “ፖፕ ሮም ኣይጋገን እዩ፣ ካርድገዚእካ ስርየት ኃጢኣት ትረክብ፣ ነፍስ ካብ ኃጢኣታ ክሳዕ እትነጽሕ ኣብመካነ ንስሓ እያ ትጸንሕ” ዝብሉን ካልኦትን ትምህርቲ ካቶሊክ ተቛዊሙእዩ ናይ ምሕዳስ ሓሳብ ዘንቀለ። ንሱ ብዝኸፈቶ ግና ሎሚ ኣሽሓትሉተራውያን ንዓለም ኣዕለቕሊቖምዋ ኣለዉ።

ሉተራውያን ንካቶሊክ ከሕድሱ እዮም ተላዒሎም ነይሮም። ንሳቶምውንብተራኦም ስለዝተባላሸዉ ግና ንኣኣቶም ንምሕዳስ ድማ ብዙኃን ሰባትንማኅበራትን ኣብ መበል ዓሠርተው ሸሞንተን ዓሠርተው ትሽዓተን ክፍለዘመን ተላዒሎም እዮም። ዕላማ እዞም ውልቀ ሰባትን ማኅበራትንእዚኣቶም ድማ እዚ ዚስዕብ እዩ፦

ኣብ መንፈሳዊ ድኽመት ንዝተሸመሙ ኤውሮጳውያንተኸተልቲ ፕሮተስታንት ንምሕዳስ፣
ንዅለን ምሥራቓውያን አብያተ ክርስቲያን ምሕዳስ፣
ብስም ምስፍሕፋሕ ክርስትና ንኣፍሪቃ ብተዘዋዋሪ ኣብትሕቲ መግዛእቲ ንምእታው። ወዘይመስሎ

ኮይኑ ድማ እቲ ካብ መሠረቱ ዘይቀደወ “ተሓድሶ” ንኣሽሓት ብስምቤተ ክርስቲያን’ ንዝጽውዓ “ማኅበራት ተሓድሶ” ፈልፊሉን ይፈልፍልንኣሎ። እዚ ሽግር ኣብ ምዕራባዊ ደምበ እምነት ከይተሓጽረ፣ ናብኣብያተ ክርስቲያናት ምብራቕውን ከምዝልሕም ከቢድ ጻዕሪ እዩብወገኖም ተገይሩሉ። ነናቶም ዕላማን ኣጀንዳታትን ዘለዎም ኢድ ካልኦትዓለማውያንን ፓለቲካውያንን እናተሓወሶ ድማ ብቀሊሉ ዘይጠፍእ ሓዊኣብ ውሽጢ ካልኦት ኣብያተ ክርስቲያናት ንምስዋሩ ድማ እዩ ተፈቲኑ።ከምቲ ኣብ ካቶሊካዊት እምነት ዝተወለዐ ምፍንጫል ድማ ናብ ካልኦትብምስጋር ንምድኻመን ብዙኅ ጸዓት ፈሲሱ እዩ።

ያኢ ጽቡቕ ሞያን ተሞክሮን ተረኺቢሉየስ፣ ነዚ እኩይ ፈተነውንብፍላይ ኣብተን ጥንታዊያን ዝኾና ኦሪየንታል ኦርቶዶክስ ተዋሕዶኣብያተ ክርስቲያን ንምትእትታዉን፣ ብእኡ ኣቢሉ ድማ ንምድኻመንን፣ንምኽፍፋለንን፣ ጥንታዊ ትምህርተንን ሥርዓተንን ብዝብርዝ ኣገባብብዝተወደበ መልክዕ ብምዕራባውያን ጐስጐስቲ “ተሓድሶ” ዝተገብረፈተነ ታሪኽ እዘን ኣብያተ ክርስቲያናት ዝሰነዶን፣ ገሊአንውን ክሳዕ ሕጂዝቐንዛወሉ ሕማም ኮይኑ ኣሎ።

ሓደ ኣብነት ሓደገኛነት ተሐድሶ ናይ ህንዲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንክንርኢ ንኽእል ኢና።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ሕንድ ክሳዕ ዓሠርተው ኃሙሽተክፍለ ዘመን ብሓድነት ጸኒዓ ትነብር ነይራ። ናይ ፖርቱጓል ሚስዮናውያንነታ ቤተ ክርስቲያን ላቲናዊት ንምግባር ኣብዝጸዓሩሉ ጊዜ ግና ኵሉ ሰባንንብረታን ናብ ክልተ ክሳዕ ዝምቀል በጽሐት። ሓደ ጕጅለ ኣብ ትሕቲምምኅዳር ፓትርያርክ ኣብ ኣንጾኪያ ዘላ ያዕቆባዊት ተባሂላ እትጽዋዕኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ክመኃደር ከሎ፣ እቲ ሓደ ጕጅለ ድማተፈልዩ ኣብ ትሕቲ ናይ ሮማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መንበር ይመኃደርነይሩ።

ነዛ ቤተ ክርስቲያን እዚኣ ዝመቓቐላ ናይ “ተሐድሶ” ምንቅስቓስ ብዙኃንነገራት ኪልወጡ ሥራሐይ ኢሎም ተታኃኂዞምዎ እዮም። ንኣብነት፦

  •   ናይ ባህርይ ኣምላኽነት ክርስቶስ ዝገልጹ ቃላትምልዋጥ፣

  •   ንክርስቶስ ኣማላዲ ኣምሲልካ ምቕራብ፣

  •   ብጥንታዊ ቋንቋ ንዝዝየም ዝነበረ ምልዋጥን ጥንታዊትውፊት ምርሳዕን፣

  •   ኣብቶም ስም ቅድስት ድንግል ማርያምን ስምቅዱሳንን ጸዊዕካ ዝበጽሑ ጸሎታት ናይ ትኅዝቶ ለውጢምግባር፣

  •  ምትራፍ ጸሎተ ፍትሐት፣

  •   መሥዋዕተ ዕጣን ትርጕም ከምዘይብሉ ምምሃር፣

  • ቅዱስ ቍርባን ምሥጢር ምዃኑ ዝገልጹ ቃላት ካብቅዳሴ ምሕካኽ፣

  •  ኣብ ቅዳሴን ካልኦት ጸሎታትን ካህን ብሥልጣኑ ጸሎትከዕርግ ከምዝኽእል ዘረድኡ፣ “አነ፣ ኣባይ” ዝብሉቃላት፣ ‘ኵሉ ሕዝቢ ካህን እዩ’ ናብ ዝብልፕሮተስታንታዊ ትምህርቲ ንምርዓም፣ “ንሕና፣ ኣባናብዝብሉ ቃላት ምትካእ፣

  •  ኣማላድነት ቅዱሳን ዘርእዩን ዝምህሩን ጥቕስታት ቅዳሴምውጋድን ካልኦትን ኪጥቀሱ ይኽእሉ።

እዚ ብኣዝዩ ሓጺር ኣገባብ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ህንዲ ዝተፈተነ ሜላተሓድሶ” ከም ኣብነት ኣምጻእናዮ እምበር፣ ብተመሳሳሊ ግና መምስቲዘለዉዎ ከባቢ ብዝዛመድ ኣገባብ ዳርጋ ኣብ ኵለን ኣብያት ክርስቲያናትተዋሕዶ ይውሓድ ይብዛኅ ተፈቲኑ እዩ። እስከ ነዚ ሎሚ ምስ ኣብሃገርናን ኣብ መላእ ዓለምን ዘንጸላሉ ዘሎ ምንቅስቓስ ተሐድሶ ነገናዝቦ!!!

ተሐድሶ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንኤርትራ

ምስቲ ሃገርና እትርከበሉ ኣገዳሲ ስትራቴጂካዊ ኣቐማምጣ፣ ዘይከምቲዝቐደመ ዘመነ ሓዋርያት፣ ዝተፈላለየ ድርብ ዕላማታት ዝተሓንገጡሃይማኖታውያን ሰበኽቲ” ካብ ዓሠርተው ሽዱሽተ ክፍለ ዘመንጀሚሮም ብዝተፈላለየ መገድን ሜላን ናብ ኤርትራ ኣትዮም እዮም።በብእዋኑ ዝኣተዉ እዞም ሚስዮናውያን ኤውሮጳውያን ንኦርቶዶክሳዊትተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ከቢድ ተጽዕኖ ፈጢሮሙላን፣ ብዙኅ ዕንወትድማ ኣኸቲሎም እዮም። እዚ ዕንወት እዚ ከኣ ሃይማኖታዊ ጥራይዘይኮነስ፣ ሃገራዊ ዕንወትውን እዩ። ንኣብነት ንሃገርና ንመግዛእቲ ጥልያንዘቃለዓ ተግባር ሓደ ንሱ እዩ። ‘አባ’ ጀሴፔ ሳፔቶ ኣብ ዓሰብ ብዝገዝኣንእሽቶይ መሬት ክሳዕ ንሃገርና ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲጣልያን ምእታው ዓብያ። እዚ ሓደ ካብ ብዙኅ “ካብ ባሕሪ ብጭልፋከምዝብሃል ኢና ጠቒስናዮ።

ብድኅሪኡውን ብቅንኣት ሃይማኖት ዝተደረኹ ኣቦታትን ዓበይቲ ዓድንምእመናን ብዝፈጠርዎ ባይታ፣ ኣብ ኣርብዓታት መንእሰያት ተኣኪቦምኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብደረጃ ትምህርቲ ሰንበትን ማኅበራትንክመሃሩ ምስ ጀመሩ፣ ካብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ወጻኢ ዝጓዝም ዝነበረመንፈስ ተሐድሶ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ሰሊዅ ብምእታው ነተንዝነበራ ማኅበራት ኦተቤ ብኸመይ ክሳዕ ምሉእ ብምሉእከምዝተቖጻጸረንን፣ ንማኅበራትን ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበትን ሃገርና ናብካልኦት እምነታት ከም “መሰጋገሪ” መድረኽ ገይሩ ከምዝሓነጾንከምዝተጠቕመሉን ምርኣዩ ብዛዕባ ዕላማን ሜላን ተሓድሶ ጽቡቕ ሥዕሊዝህብ እዩ። ዝኾነ ግዱስ ኣካል ድማ ብዛዕባ ኣብ ሃገርና ዝነበረ መስርሕተሓድሶን ዕብየቱን ክምርምር ምስ ዝጅምር ዝገሃደሉ ሓቂ ከኣ ሃገርናኤርትራ ኣብ ሓደ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ግዳይ ዓውለማዊ ምንቅስቓስተሓድሶ” ኮይና ከምዝነበረት ጥራይ ዘይኮነስ፣ ሎሚውን ኣብ ውሽጢሃገር ይኹን ኣብ ዝተፈላለየ ዓለም ዝርከቡ ብኤርትራውያን ዝቖሙሓደሽቲ እምነታት፣ ፍረ ናይቲ ኣብ ውሽጢ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ዝነበረ ምንቅስቓስ ‘ተሓድሶ’ ምዃኖም ብጭቡጥ ክንርዳእንኽእል። ሕጂውን ኦርቶዶክሳውያን ኢና እናበሉ መሳሰዪን መጋበሪንድርብ ዕላማታት ዝኾኑ ዘለዉ ተረፍ መረፍ ናይ ዝቐደሙማኅበራትውን፣ ነቲ ቅድሚ ዓሠርተ ዓመታት ዝነበረ ታሪኽ ሃገርናዘዘካኽሩ መርኣያ ኣሰራት እዮም።

ሕጂውን እንተኾነ ብፖለቲካዊ ኣረኣእያን “ብትምህርታት” ቅብጣዊትቤተ ክርስቲያንን ብአቡነ እንጦንዮስን እናኣሳበብካ ንሰብ ጥንታዊትንሐዋርያዊትን ሃይማኖቱን ሥርዓቱን ትውፊቱን ገዲፉ ሰዓብን ኣሳሳይንተሐድሶ ኪኸውን ዝግበር ዘሎ ፈንጠርጠር ንርእዮ ኣሎና። ብፍላይ ኣብኣመሪካ፣ ኤውሮጳ፣ ርኁቕ ምብራቕን ብሥዉር ኣካይዳ ድማ ኣብ ውሽጢሃገርን ንቅድስት ቤተ ክርስቲያን “ኣሐዲስካ ፕሮተስታንታዊት ንምግባርዝግበር ዘሎ ምጉያያትን ምወላታትን መስክሩለይ ዘየድልዮ ነገር እዩ።

እምበኣርከስ፣ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ዘይቅላዕ ክዱን፣ ዘይፍለጥ ድማ ሥዉር የልቦን” (ማቴ፲፥፳፮/1026)ከምዝበሎ፣ ጽባሕ ንግሆ ኵሉ ከም ፀሓይ ቀትሪ ግልጽልጽ ኢሉ ክረአእዩ። ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ግና ብምኅደራ ወይ ድማ ሓደ ሓደ ጸገማትቤተ ክርስቲያን ኣመኽኒኻ ካብ ሃይማኖትካ ምዝንባል ክህሉ የብሉን።ሎሚ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዘይሃስስ በሰላንምግዳፍ ብተሐድሶኣውያን ዝግበር ዘሎ ሃነፍነፍ መወዳእታኡ ዕርበትንጥፍኣትን ደኣ እምበር፣ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ፣ “ዲያብሎስ ንቤተክርስቲያን ኪወግኣ ዝናሩ ወድአ፣ ንቤተ ክርስቲያን ግና ኪጐድኣኣይከኣለን” ከምዝበሎ፣ ንቤተ ክርስቲያን ኪመቓቕልዋ ኣይክእሉንእዮም። ምኽንያቱ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብደም ክርስቶስ ብከውሒኣብ ዝተመሰለ ጸኑዕ እምነት ዝተመሥረተት፣ ብትንቢት ነቢያትን ስብከተሐዋርያትን ጸኒዓ እትነብር፣ “ኣፍ ደጌታት ሲኦል ኣይኪኅይልዋን እዮምዝብል ቃል ኪዳን ዝኣተወላን እያ። (ማቴ፲፮፥፲፮\-፲፰/1616-18ግብሐዋ፳፥፳፰/2028)

እምበኣርከስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ጥንታዊት፣ሐዋርያዊት ኮይና ሓንሳብን ንሓዋሩን ንቅዱሳን ዝተዋህበት፣ ኣብዶግማኣ፣ ሥርዓታ፣ ትውፊታ፣ ባህላን ታሪኻን ምምሕያሽ፣ ምኽላስ፣ምሕዳስ ዘየድልያ እንኮ መገዲ እግዚአብሔር ምዃና ብምእማን፣ ካብክፉእ ናይ ምፍልላይን ሓሰውቲ ነቢያት ዝበዝኁሉ ዘመንን ወፂእና፣ብቅድስት ሃይማኖትና ጸኒዕና ብቅዱስ ሥነ ምግባር ኣጕላዕሊዕና፣ተኻፈልቲ ሰማያዊ ርስቲ እግዚአብሔር ኣምላኽና ክንከውን ምሕረትእግዚአብሔር፣ ጸሎትን ኣማላድነትን ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግልማርያም፣ ተራዳእነት ኵሎም ቅዱሳን መላእክትን፣ ጸሎት ኵሎም ቅዱሳነእግዚአብሔርን ምስ ኵላትና ይኹን።

ስብሐት ለእግዚአብሔር፣

ወለወላዲቱ ድንግል፣

ወለመስቀሉ ክቡር።

2 comments:

  1. «ተሓድሶ»

    ቈልዓ ኣብ ዝነበርኩሉ፡ ልቢ ቈልዓ ከምዝነበረኒ፡ ህንጻ ናይታ ዝዓበኹላ ቤተክርስቲያን ፈሪሱ ኣብ ዝተሓደሰሉ ህሞት ዝተሰምዓኒ ስምዒት ነበረ። ምሕዳስ፡ ተሓድሶ፡ ለውጢ ወዘተ ዝብሉ ቃላት ከም ቁሪ እናፈራሕናዮም ስለዝዓበና፡ እታ ናይ ሽዑ ከባብ ዝቕርጻ ቤተክርስቲያን ሰምበል፡ ንዝሰፍሐን ዝሓሸን ኣገልግሎት ፈሪሳ ብቕርጺ ርቡዕ ኩርናዕ ክትሕደስ እንተነበራ’ውን፡ እቲ ናይ ሽዑ ልቢ ቁልዕነተይ ግን “ስለምንታይ እታ ቕድስቲ ስፍራ ትፈርስ?!” ኣብ ዝብል ውሱን ሓሳብ ጥራይ ነቒጹ ነበረ። እቲ ለውጢ ንኸይቅበል ዝሓንገደ ልቢ፡ ብኸመይ ተቓንዩ ከምዝዓበየ ሕጂ ክሓስቦ ከለኹ፡ ነቲ ኣብ ዘመን ሃጸይ ምንሊክ ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዝበሃል ነገር እዩ ዘዘክረኒ። ብመሰረቱ ቤተክህነት ለውጢ ንምቕባል፡ ምናልባት እቶም ዝደሓርና ከይኮንና ኣይንተርፍን ኢና ዝብል ብዙሓት ዝግምትዎ፡ ኣነውን ዝሰምሮ ሓሳብ ከኣ ሓቂ ከይኮነ ከምዘይተርፍ እቲ ዘንበብክዎ ዛንታ የረጋግጸለይ ኣሎ። ሃጸይ ምንሊክ ኣብ ኢትዮጵያ ከም መቐጸልታ ናይቲ ዘተኣታትውዎ ዝነበሩ ለውጢ፡ ንመጀመርያ ግዜ ተለፎን ኣብታ ሃገር ከምዝኣቱ ክገብሩ ከለዉ’ውን፡ ብወገን ቤተክህነት ተሪር ተቓውሞ እዩ ኣጋጢምዎም ዝነበረ። ካብ ቤተክህነት ዝተላእኩ ሸሞንተ ወኪል ድማ ናብ ህጸይ ቀሪቦም፡ “ተለፎን ናይ ኣጋንንቲ ስለዝኾነ፡ ኣብ ቤተ መንግስቲ ክኣቱ የብሉን፡ ካብ ሃገርና ድማ ጠቕሊሉ ክጠፍእ’ዩ ዝግብኦ” ኢሎም ጥርዓኖም ከምዘቕረቡ ታሪኽ መዝጊብዎ ኣሎ። (መጽሓፍ የለውጥ ያለህ፡ ገጽ 10 ተመልከት)

    እታ ክትፈርስ ዘይደለኽዋ ቤተክርስቲያን ሰምበል ፈሪሳ፡ ሰፊሓ ስለዝተሃንጸት ድማ ምእመናን ካብ ቁሪ ተገላጊሎም ኣብ ውሽጢ ቤተክርስቲያን ቦታ ረኸቡ። ብመሰረቱ’ውን፡ ቅዱስ ስፍራ እንታይ ማለት’ዩ? ቤተክርስቲያን ማለት ከ ብሓቂ እቲ ህንጻ ማለት ድዩ ዝብል ሓታቲ መስቀላዊ-ሕቶ እንተዝረክብ እኳ ኸኣ፡ ክብልዎ ሰሚዐ ኢለ ዝደግሞ እንተዘይኮይኑ እኳ፡ ክምልሶ ዝኽእል መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሰረት ዘለዎ ኣዕጋቢ መልሲ’ውን ኣይነበረንን። ልቢ ቘልዓ ኮይኑ ግን ንጽቡቕ ምዃኑ ብዘይምስትብሃል ንምሕዳስ እታ ቤተክርስቲያን ብምቅዋም ከም ቈልዓ ሓሰብኩ። ናይ ኤለክትሪክን ጋዝን ኣማራጺታት እናሃለወ፡ ንዕዑ ተሓሲምና ኣብ ቤተ-ልሄም ብትኪ ዒግ ዝበልናዮ ሕጂ ክዝክሮ ከለኹ፡ በቲ ናይ ቁልዕነት ልበይ እግረም።

    መጕልሒ ድምጺ ክንጥቀም እናኸኣልና ብትምክሕቲ ዝገዓርናዮ፡ ጓለንስተይቲ ከበሮ ቤተክርስቲያን ኣይትሃርምንያ ኢልና ዝተማጐትናዮ፡ መጽሓፍ ቅዳሴ ብቛንቋ ግእዝ ዝተደርሰ ክሳዕ ዝመስል ብትግርኛ ኣይከውንን እዩ እናበልና ዝተኸራኸርናዮ ክዝክሮ ከለኹ፡ ሕንከት እናተሰምዓኒ ብልቢ ቁልዕነተይ እግረም ኣለኹ። እቲ ምንታይሲ ንፍተዎ ንጽልኣዮ፡ እቲ ለውጢ መጺኡስ እንሆ’ኳ ካብቲ ክዕረ ዝግብኦ ብዙሕ ተሓዲሱ… ቅዳሴ ብትግርኛ ንሰምዕ ኣለና፡ ለካስ
    ቤተክርስቲያን ትሕደስ እያ! ትማሊ ብጀካ እቲ ምስ ጸናጽልን ጣቕዒትን ጥራይ ዝህረም ዝነበረ ከበሮ፡ ሕጂ ግን ዋጣን ክራርን ኣሰንዮሞ ኣብ መዛሙር ክንሰምዖ ምኽኣልና ውጽኢት ተሓድሶ እዩ። እንሆ እእዛንና እቲ ብደባትር ጥራይ ዝዝየም፡ ምእመን ግን ተረዲኡ ከስተማቕሮስ ይትረፍ ከምዘለዎ ክደግሞ እኳ ዘይክእል ጥራይ ዝሰምዕ ዝነበረ፡ ሕጂ ግን ልቢ ምእመናን ዝደረሶ፡ ቀሊል ዜማ ዝሰረቱ መዛሙር ንሰምዕ ኣለና። እዚ’ውን ውጽኢት ተሓድሶ እዩ። ለካስ ቤተክርስቲያን ትሕደስ እያ?! ለካስ ደቀንስትዮ’ውን ይዝምራን ይሽብሽባን’የን።

    ለካስ ዋጣን ክራርን’ውን ነቲ ጽዩፍ ተግባረተን ሓዲገን ንኽብሪ እግዚኣብሄር ክቃነያ ይኽእላ እየን… ኮታ… ለካስ ከምቲ ኣብ ዘመነ ሃዋርያት ዝነበረ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ዘይሰርቕ፡ ጽሩይ ስርዓተ ኣምልኾን ሕዋስ ዘይብሉ ትምህርትን ከምዝህልዋ ንምግባር ቤተክርስቲያን’ውን ትሕደስ’ያ! ወይ ልቢ ቁልዕነት ኢሎሞስ…!! ተሓድሶ ማለት ግን እንታይ ማለት እዩ? ተሓድሶ ዝብል ቃል ዳዮርቶሲስ ካብ ዝብል ናይ ጽርኢ ቃል ዝተረኽበ ኣበሃህላ ኮይኑ፡ ንዝቐነነ ወይ ኣሪጉ ንዝተጨማደደ፡ ወይ’ውን ካብ መስርዑ ንዝወጸ፡ ኣስተኻኺልካን ኣሐዲስካን ናብቲ መበቈላዊ ባህርዩ ምምላስ ማለት እዩ። ቤተክርስቲያን፡ በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ሓቂ ጥራይ ክትሕደስ ከምእትኽእል ሕጊ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ፡ “መሠረት ሕግን፡ እምነትን፡ ትምህርትን ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ፡ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ” ብምባል ብንጹር ኣስፊርዎ ኣሎ። ስለዚ እምበኣር ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጻረር ኩሉ ሕጊ ይኹን እምነት ወይስ ትምህርቲ ናብቲ መሠረቱ ማለት ናብ መጽሓፍ ቅዱስ መሊስና ክንሕድሶ ይጽንሓለይ ዘይበሃሎ ዕዮ እዩ። ቤተክርስቲያን ተሓድሶ ኣየድልያን እዩ ዝብል እንተሎ ግን ሓደው ፍቕሪ ቤተክርስቲያን የብሉን፡ ወይውን ብሱሩ ወዲ ቤተክርስቲያን ኣይኮነን ጥራይ እዩ ክበሃል ዝከኣል።
    ስለዚ ተሓድሶ ንቤተ ክርስትያን ኣድላይን ወሳንን እዩ።

    ምስትውዓልና ንዝኸፈተ እግዚኣብሄር ግን ክብርን ምስጋናን ይብጽሓዮ!!

No comments:

Post a Comment