መርዓ መዛሙር

ናይ መርዓ መዝሙር
1, ኣርህዉ ሆሃተ ለንጉሰ ስብሃት ዘይበ(2)

ተሰምኣ ቃለ ቀርነ ወድምጸ ይባቤ(2)

2,  መጻ መርዓዊ ፍስሃ ለኩሉ(2)
  በሰላም ጻዑ ተቀበሉ(2)
3,  መጻ ወመጻ እም ለእሉ(2)
   መርዓዊ መጻ(2) እልል በሉ ጻኡ ተቀበሉ
 4, በቃና ዘገሊላ (2)
   በገሊላ ከብካብ ኮነ(2)
 5,  ቃል ኪዳን ኩቡር'ዩ መሳልል ናይ ሰማይ(2)
ዕዱማት ይግበርኩም ኣብ'ቲ ላዕላይ ሰማይ
ኣብ ቅድሚ ኣዶናይ(2)
6, ሃሌ ሉያ ሃሌ (2) ንትፈሳህ ኩሉነ(2)
ንትፈሳህ ኩሉነ(2) ሃሌ ሉያ ንፈሳህ ኩሉነ(2)
ሃሌ ሉያ (2) ንኣምላኽ ምስጋና(2)
ንኣምላኽ ምስጋና(2) ሃሌ ሉያ ንኣምላኽ ምስጋና(2)
7, መርዓዊ ሰማያዊ(2)
ለእመ ገብረ በዓለ(2)እህ(3)
ንበሩ በሰላም (3) ዘልእለም

8,ኣታ ደስ ኢልኩም'ዶ(2) ንህናስ ደስ ኢሉና(2)
እግዚኣብሄር ይመስገን (2) ነዚ ዘርኣየና(2) ኣሜን.
9, ዘሕጉስ እዩ(2) ዘሕጉስ'ዩ ናትና መርዓና
  ናይ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ናይ መርዓ ስነ-ስርዓትና                                     ተፈጺሙ (2) ተፈጺሙ ሎሚ መርዓና 
ምስጋና ይኹን ነቲ ልዑል(2) ፈጣሪና

ነዚ  ዝገበረ ሃሌ 
ነዚ ዝገበረ ሃሌ ሉያ በሉ
እግዚኣብሄር እሙን'ዩ ዘልኣለም ብቃሉ
መርዓዉን  መርዓትን እንቃዕ ደስ በለኩም
ናይ ያቆብ ኣምላኽ ብርሃኑ ይሃብኩም
1, ክንደይ ጎቦታት ኣሕሊፍና
ኣብ መቅደሱ'ዉን ኣንቢሩና
እስከ ንዘምር ብእልልታ
እሙን'ዩ ሞ ናትና ጎይታ
   ናትና ዝኸነ ምንም የለን
   ተመስገን ጎይታ ንዘልለም
   ስምካ በሪሁ ብምስጋና
   ኣብ ልዕሊ መርዑት እንደገና
2, እቲ ዘይከዉን ዝመስለና
ኮይኑ ርኢናዮ ብኣምላኽና
ከም ደቂ ኣሳፍ ተሰሊፍና
ስሙ ክንቃኒ ብምስጋና
   ዝተባረኸ በቲ ኢዱ
   ቅኔ የፍስስ ብልሳኑ
   ምስ መላእኽቲ ሓደ ኮይና
   ስራሕ ኣምላኽና ደስ ኢሉና
3, እንተ ጎደለ 'ቲ ወይንና
ክመልኣልና'ዩ ሄር ኣቦና
'ቲ ክፉእ ይዉጻእ ካብዚ ቤትና
ሓዱሽ ክንሰቲ ንዑኡ ሒዝና
    ኤቨን ኤዘር'ዩ 'ቲ መዝሙርና
    ክረድኣና'ዩ 'ቲ ኣምላኽና
    ገጽና በሪሁ ብዓቢ ደስታ
    ሞገስ ኮይኑና ናትና ጎይታ

ክብረ ቅዱሳን ይእቲ
ክብረ ቅዱሳን ይእቲ(2) ክብረ ቅዱሳን(2)
ሙዳየ መና ግሩም ሙዳየ መና(2)
ኣዝ፣-
ናይቶም ቅዱሳን ክብሪ 'ኺ ግርማ
ንስዉኣልኪ ቅኔ ምስጋና
ዝወለድክልና ናይ ህይወት መና
ዝናም ዝሓዝኪ ንእስቶ ደመና
ኣዝ፣-
 ናይ ጸሓይ መዉጺት ምብራቕ ዝኾንኪ
'ቲ ዓቢ ብርሃን ዝወጽኣልኪ
ኣይጽልምትን'ዩ ብርሃን ሂወትና
ወድኺ'ከሎ ጸሓያዊ  ብርሃና
ኣዝ፣-
ሰኣሊለነ ሰላም እለቺ
ተማህጸነ በኪዳንቺ
ንኢ ርግብየ ምስለ ወልድቺ
ሰማየ ወልድር ይወድስቺ

ደሚቑ ኣብሪሁልና
ደሚቅ ኣብሪሁልና ስራሕ ናይ ጎይታና(2)
ኮይኖምልና መርዑት ኣብረሃምን ሳራን
ኣዝ፣-
ኣብ ቤተ ክርስትያን ኣብ ጽላላ ኮይኖም
መርዓዉን መርዓትን ቅዱስ ተክሊል ጌሮም
ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝተዋህቦም 
መርዓዉን መርዓትን ብርሃን ኮይኑ ገጾም
ኣዝ፣-
ክልተ ዝነበሩ ሓደ ኮይኖም ብተኽሊክ
እግዚኣብሄር ይመስገን እልል(2) ንበል
ናይ ህያዋን ኣደ ሄዋን ዝተባሃልኪ
ናይ ኣዳም ስብከቱ ሎሚ ተራኢኺ
ኣዝ፣-
ብቤተ ክርስቲያን ኣብ ቅድሚ ኣምላኾም
ብስጋ ወደሙ ከም ሓደ ሰብ ኮይኖም
ነዚ ንኽንርኢ ኣምላኽ ዘብቅዓና

ምስጢር ንዘብርህ ነቅርብ ምስጋና።

No comments:

Post a Comment